Monday, September 10, 2012

ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ ። ሕዝ. 18-31።





ዘመነ ማቴዎስ ወንጌላዊ 2005 . ግእዝ (2012 .)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ ሕዝ. 18-31

(Click for pdf)ወዲ ሰብ ንሥጋውን መንፈሳዊን ምንቅስቃሳቱ ብዝጥዕሞ መገዲ እግዚአብሔር ንዝሃቦን ንዝለወጠሉን ዘመን ቀመር እንዳውጸአ ይጥቐም። ንጊዚያት ካብ ሽራፍ ደቂቅ ስጋብ ሺሕ ዘመናት ኸፋፊሉ ይጥቀመሎም። ኣብዚ ዘመን ቀመር ንትማሊ የእርግ ንሎሚ ድማ ሓድሽ ይገብር። ዘመናት ምልውዋጦም ሰብ ናይ ሥራሕ እግዚአብሔር  ከድንቅን መግቦቱ ከይርስዕን ይገብሮ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃልኪዳኑን ፍጥረቱን ከምዘይርስዕ መግቦቱ ኩሉ ግዜ ንፍጥረታቱ ከምዘይፍለይ ንርኢ።


ቅዱስ ዳዊት <<ኣዕንቲ ኹሎም ንዓኻ ይጽበያ፣ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም ኢድካ ትኸፍት እሞ ንህያው ዘበሉ ኹሉ ብበረኸት ተጽግቦ።   >>   መዝ.144 (145)፡15  ከምዝበለ ኣዋርሕን እንዳለዋወጠ፣ ብዝናብ እንዳብቆለ፣ ብጸሓይ እንዳኣብሰለ ንፍጥረታት ምግቦም ይህብ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ዓመታት ኣይኣርግዎን ኣይልውጥዎን እዮም። <<ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ ዓመታትካ ከቶ ኣይውዳእን። >> መዝ.10227 ስለዚ ዓመታት ዝቐያየሩን ዝለዋወጡን፣ ዝውዱኡን ዝጅምሩን ንዓና ንደቂ ሰባት ጥራሕ እዮም።

ሓድሽ ዓመት ክረምቲ ተወዲኡ ዘራእቲ ዝፈርዩሉ፣  ዝናብ ክራማት ተወዲኡ  ሲዒቡ ዝመጽእ ዝኽበር ሓድሽ ናይ ተስፋን ብሥራትን በዓል እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሰለሙን ከምዚ ይብል። <<እንሆ ክረምቲ ሓሊፉ ዝናብ ዛርዩ ተወዲኡ፣ ዕምባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ ጊዜ መዝሙር በጽሐ ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ።   >> መኃ.211 ኣብ ሓድሽ ዓመት ዓመታት ጥራይ ዘይኮኑ ምድርውን ገጽታኣ ትልውጥ እያ። ዝነቀጸ ኣግራብን ዝነቀጸ መሬትን ሓምላይ ለምለም ይኸውን፣ ኣዝራትን ዕጽዋትን ብዕንበባ ንዘርኢ ፍረ ይበጽሑ። እዚ ከኣ ነዚ በዓል ምዕርጉን ድሙቅን ይገብሮ።   መግቦቱ ከይንርስዕን   ቃልኪዳኑ   ከነኽብርን ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣዚዙና እዩ።

ስለዚ እዩ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ንበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ኣወደ ዓመት ብዝደመቀን ዝኸበረን ተኽብሮ ንምእመንኣ ከኽብርዎ ተምህሮም። ግና ሎሚ ሎሚ ዝርኣ ኣከባብራ በዓላትና ፍጹም መንፈሳዊ ዝተፈለዮ መንፈስ ሥጋዊ ክኸውን ግብረ እግዚአብሔር መግቦተ እግዚአብሔር ካብ ምሕሳብ ንላዕሊ ነገረ ሥጋ ጥራሕ ብምሕሳብ ከነኽብር ዝገቡሩና ብዙሕ ነገራት ይረኣዩን ይሰተውዓሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ዓመት ከመይ ከም ነኽብሮ ዝነግረና ነገር ኣሎ። ኣብ መገዲ ክርስትና ዘሎ ሰብ ነዚኦም ነጥብታት ብምርኣይ ንገዛእ ርእሱ ከመይ ምስትኽኻል ከምዝግባእ፣ ንሓድሽ ዓመት ከመይ ምቅባል ከምዝግበኣ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘምህረና ቁምነገራት ከም እግዚአብሔር ፍቓድ ዝተወሰኑ ንርአ።

1.    << ሓድሽ ልቢ ልበሱ።>> ኤፌ.422
ናይ ዓመታት ምቅይያር ኣባና ኣብ ክርስቲያዊ ሂወት ውሽጢ ለውጢ እንተ ዘይኣምጺኡ ከምዘለናዮ በቲ ኣረጊት ሰውነትና ንሓድሽ ዓመት እንድሕር ተቀቢሊናዮ ሎሚ ካብ ትማሊ ብምንታይ ይሓይሽ? ቅድም ዝነበሩና  ልምድታት ሓጥያት እንተዘየወገድናዮም ሓድሽ ዓመት መጺኡ ማለት እንታይ እዩ ጥቅሙ? ሓድሽ ዓመት ክመጽእ ከሎ ኣብ ኣእምሮናን ክንሓስቦን ከነሰላስሎን ዝግበኣና ነገር ንመንፈሳዊ ሕይወትና ክንምሓየሽን ክንልወጥን ብመንፈሳዊነትና ክንዓቢ እዩ።

እዚኦም ሓሳባት ተግባራዊ ንምግባር ኣረጊት ኣንነትና ኣውጺእና ሓድሽ ሰብ ምልባስ የድልየና። <<ንስኻትኩም ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም ከምቲ ምስሊ እቲ ዚፈጠሮ ጌርኩም ነቲ ንፍልጠት ዚሕድስ ሓድሽ ሰብ ዚለበስኩም >> ቆላ.310። ነቲ ኣረጊት፡ ሰብነት ምስ ኣረጊት ግብሩ ክንገድፎ ከለናን፡ ነቲ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ከለናን እዩ፡ ነቲ ሓድስ ዓመት ሓድሽ ንገብሮ፡ እቲ ኣረጊት ሰብ ብምኽኒት ዝተመልአ ስለዝኾነ ነቲ ዕድመ ዝሃቦ፡ ጊዜ ንዝኃበ ኣምላኽ እኳ ጊዜ ንኽንኅቦ ንጥቅምና ንበረከት ንዓና ከሎ ብምቅድመ ኩነትን ላዕልን ታሕትን እዩ። ኣረጊት ሰብ ንንስሓ ክንገሮ ከሎ <<እዚኦም ድኣ ካብ ሕጻንነተይ ሓልየዮም እየ።>> ይብል። ብዛዕባ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክንገሮ ከሎ <<እዚ ዘጨንቅ ዘረባ እዩ መን ክሰምዖ ይኽእል።>> ይብል።ዮሓ.660 ናብ ቤት እግዚአብሔር ንኺድ ምስ ዝበሃል <<ንኣቦይ ክቐብሮ ቅድም ፍቀዱለይ።>> ይብል። ሉቃ.959 ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ብምኽንያት የትርፋ። እዚ ምስ እግዚአብሔር ዝፈላለዮ ኣረጊት ሰብነቱ ብሓድሽ ምቅያር ይግብኦ። ኣረጊት ሰብነትና ነፍስና ንኽትጸምእ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። << ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ ኣንጊሄ ይደልየካ ኣለኹ፣ ነፍሰይ ንዓኻ ትጸምእ ኣላ ሥጋይ ማይ ኣብ ዘይብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ ይናፍቀካ ኣሎ።  ..>> መዝ.631 ስለዚ ነፍስና ካብ ጽምኢ ክትረዊ ብቃል እግዚአብሔር ክትርስርስ ምእንቲ ሓድሽ ሰብ ንልበስ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ <<ነቲ ቐደም እተመላለስክሙሉ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ እቲ ብናይ ሓቒ ጽድቅን ቅድስናን ብመልኽዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ። >> ከምዝብለና። ኤፌ.422-24

2. <<እቲ ኣረጊት መባኹዕቲ ኣጽሪኹም ደርብይዎ>> /1 ቆሮ 5፡7/
ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመዋእለ ስጋዌኡ ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጸሓፍት ፈሪሳዊያን እንተዘይበሊጹ ናብ መንግሰቲ እግዚአብሔር ኣይትአትዉን ኢኹም ኢሉ ምሂሩ እዩ። ሓደ ካብቲ እኩይ ግብሪ  ጸሓፍት ፈሪሳውያን ከአ ብክልተ ካራ ምብላዕ እዩ። ሕጊ ሙሴ ነፈጽምን ንፍጽምን ይብሉ በቲ ካልእ ከአ ነቲ ሕጊ ባዕላቶም ከጥሕስዎ ይረኣዩ ኔሮም። ነጽድቅን ሓጢኣትን ብሓደ ሰብነቶም ክፍጽሙ ዝፍትኑ ሰባት እዮም ኔሮም። እምበኣር ጽድቅና ካብዚ ክፍለ ጎይታ ምሂሩና እዩ። ቅዱስ ጳውሎሰ ውን አብ መልእኽቱ ከምዚ ይብለና <<ከምቲ ሕጂ ዘለኹሞ ዘይበኹዐ ሓድሽ ብሑቅ ምእንቲ ክትኮኑ ነቲ ኣረጊት መባኹዕቲ ኣጽሪኩም ደርብይዎ፤ ስለዚ በቲ ኣረጊት መባኹዕቲ ወይ ብመባኹዕቲ እከይን ሕሰምን ዘይኮነ ብዘይበኾዐ እንጌራ ማለት ብቅንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር>> 1 ቆሮ 5፡7 መባኹዕቲ ነብሑቅ ዘድልዮ ክሳብ እቲ ብሑቅ ዘበኩዕ ጥራይ እዩ። ብድሕሪኡ ግና እንተዘይአሊናዮ ነቲ ብሑቕ የምጽጾ እቲ ብሒቕ ቅጫ ክኸውን ዝኽእል፡ እቲ ኣረጊት መባዂዕቲ ምስ ተኣልየሉ እዩ።

ኣብ ክርስትና ህይወትና’ውን ጽድቅን ሓጢኣትን፡ እናተፈራረቑ፡ ከሸግሩና ይኽእሉ እዮም። ብሓድሽ ናይ ንስሓ ህይወት ንኽንነብር፡ ነቲ ቅድም ዝነበረ፡ ምስ ጽድቂ ዝተሓወሰ እኩይ ግብሪ ክውገድ ይግባእ። እዚ እንተዘይኮይኑ፡ ጽድቅና ካብ ፈሪሳውያን ብምንታይ ይሓይሽ? ነቲ በዓላትና ብቅንዕናን ብሓቅን ከነኽብሮ ንኽእል፡ ነቲ ኣረጊት መባኹዕቲ ምስ ነወግዶ ጥራይ እዩ። ብቅጫ ዝምሰል፡ ክርስቲያናዊ ህይወትና ንሰብ፡ መግቢ ክኸውን ዝኽእል ምስቲ ሓድሽ መንነትና፡ ሓቢሩ ዝተሓወሰ ኣረጊት መባኹዕቲ፡ ማለት፡ ንጽድቂ ምስ ሓጢኣት ሓዋዊሱ ዝኸይድ ሰብነትና፡ ነዚ ግብሪ ፈጺሙ ምስ ገደፎ እዩ።

3. <<ሓዲሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ።>> ሕዝ. 18-31
ኣብ ውሽጢ መንፈሳዊ ህይወት እቲ ዝዓበየ ፈተና፡ ነቲ ዘለካ ሓሊኻ ምጽናሕ እዩ። መንፈሳዊ ድኻም ንክፍጠር፡ እቲ መንፈሳዊ ምንቅስቃሳትና (ንጥፈታትና) ተደጋጋምን ዕብየት ዘይብሉን ክኾውን ከሎ እዩ። መንፈሳዊ ዕብየት ዘርኢ ሰብ፡ ንመንፈሳዊ ዝሕታለ ኣይቃልዕን እዩ። ብሓድሽ ልብን ብሓድሽ መንፈስን፡ ህይወቱ ዝመርሕ ክርስቲያን፡ ኣይስልቹን እዩ። ንዕኡ ክርስትና ማለት፡ ወትሩ ሓድሽ ህይወት እዩ። ሓንሳብ ፈጺምካ ዝውዳእ ዘይኮነ ናይ ምሉእ ዕድሜኻ ህይወት እዩ። ስለዚ ኸኣ ክርስትና ብሓድሽ ልብን ብሓድሽ መንፈስን፡ እትነብሮ ህይወት ነቲ ናይ ቀደም እናረሳዕካ፡ ንጽባሕ ንምሓዝ ዝግበር ናይ ተስፋ ህይወት እዩ። <<ሓደ’ኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ። እቲ ብሉይ ሓሊፉ እንሆ ኩሉ ሓድሽ ኮይኑ>> ከም ዝበለ ቅዱስ ጳውሎስ 2 ቆሮ 5፡17 ። ንሓድሽ ዓመት ሓድሽ ዝገብሮ፡ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ምስ ዝህልወና ጥራይ እዩ። ናይ ለውጢ መፈለሚ ናይ ልቢ ምቕያር ስለዝኾነ ብስምዒት ዝመጽእ ለወጢ ፍጻመ የብሉን፤ ቁሩብ ንፋስ ምስ ነፈሰ ሰንከልከል ክብል ይጅምር፤ ነዚ ኽኣ እዩ እቲ ነብይ ነቲ ናይ ቀደም አረጊት መንነትና አወጊድና ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ክህልወና ዝምዕደና፤ <<ሓድሽ ልብን ሓድሽ  መንፈስን ድማ ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል ስለምንታይ እትሞቱ ኣነ ሓደ እኳ ክመውት ኣይፈቱን እየ>> ህዝ 18፡31-32

ብሓፈሻ ሓድሽ ዓመት ነሓድሽ ክርስቲያናዊ ህይወት መበገሲ ጌርና እንተኽቢርናዮ ነቲ በዓል ሓቀኛ ናይ ሓድሽ ዓመት በዓል ይገብሮ፤ <<ምድሓን ካብቲ ዝኣመናሉ ግዜ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቀሪቡ ኣሎ፤ ለይቲ ሓሊፉ  መዓልቲ ቐሪባ እያ ስለዚ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ>> ከምዝብል ሓዋርያ ቅዱሰ ጳውሎስ ነተን ዝሓለፋ ዓመታት ንምትዕርራይ ናይ ብርሃን አጽዋር ተኸዲንና ግብሪ ጸልማት ክንኣልዮ ኣድላዪ እዩ። ሮሜ 13፡12-13። ብኽዳን ብገዛን መኪናን ጥራይ ዘይኮነ ብልብና ምሕዳስ ክንልወጥ ዝግባኣና ፍሉይ እዋን እዚ ሓድሽ ዓመት እዩ።    

ናብ እግዚአብሔር ብንጹኅ ልቢ ቀሪብና በዲለ’የ ብምባል ንስሓ ክኣቱ ክንብል ይግበኣና። ከምቲ ጥፉእ ወዲ ናብ ቤት ኣቦይ ክምለስ ዝበሎ፣።ሉቃ. 15 ንሕናውን ብሓጥያት ካብ ኣምላኽና እግዚአብሔር ሪሒቕና ዘለና ብንስሓ ክንምለስ ይግበኣና።

ነዚ  ክንገብር  ኣምላከ  ቅዱሳን  እግዚአብሔር  ምሕረቱን በረከቱን ይሃበና።  ወላዲት  ኣምላክ  ቅድስተ  ቅዱሳን  ድንግል  ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና። ናይ ቅዱሳን መላኣኽቲ ተራዳኢነት ናይ ጻድቃን ሰማእታት ኣማላድነት ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment